All rights Reserved. © Copyright 2020
Site design & hosting by: 519Web, PinPoint Local
Providing Cremation and Funeral Services to Guelph and Area since 1941.
Providing Cremation and Funeral Services to Guelph and Area since 1941.
“ንስኻትኩም ብሓይሊ ኣምላኽ ብእምነት ነቲ ብዳሕራይ ዘመን ኪገሀድ ዘለዎ እተዳለወ ምድሓን ተሐሊኹም አሎኹም”
1ይ ጴጥ 1:5
ተወልደ ብርሃነ ካብ ኣብኡ ብርሃነ ተኽላይን ካብ ኣዲኡ እሙና ፍስሃየ ተኽሉን ብ መጋቢት 22 1997 ዓም ኣብ ዓዱ ጒላ ኤርትራ ተወሊዱ። ካብ እታ 9 ደቂ ዝነበርዋ ስድራቤት መበል 5ይ ኮይኑ ሓደ ካብቶም ክልተ ኣወዳት እታ ስድራ እዩ።ተወልደ ኣብ ቤት ትምህርቲ ጒላ ተራእምኒ መባእታዊ ትምህርቲ ድሕሪ ምምሃሩ ብ2009 ዓም ምስ ኣዲኡን ኣርባዕተ ኣሕዋቱን ናብ ስደት ኣምሪሑ። ከም ብዙሕ ኤርትራዊ ናብ ሱዳን ኣብ ንኡስ ዕድሚኡ ብምስዳድ፡ ንኣሽቱ ኣሕዋቱ ምእንቲ ትምህርቶም ክቅጽሉ ብምባል ንሱ ንኣዲኡ ክሕግዝ ክብል ስራሕ ክጅምር ወሰነ። ዝተፈላለየ ስራሕ እና ሰረሐ ድማ ናብራኡን ናብራ ስድራቤቱን ክቅይር ብዙሕ ጽዒሩ። ተወልደ ስራሕ ከይነዓቀን ንርእሰይ ከይበለ ብዙሕ ዓይነት ስርሓት ኣብቲ ዓዲ ሓያል ሙቐት ዝኾነ ሃገረ ሱዳን ብትግሃት ሰሪሑ። ንስራሕ ኢሉ ናብ ገዳርፍ ኣብ ዝኸደሉ እዋን ግና ሃንደበታዊ ሕማም ኣጓኒፍዎ ክሳብ ደም ብኣፋ ዝወጽእ ብምብጻሕ ኩነታት ጥዕናኡ ልዕሊ ዓቕሙ ኮኖ። ሰሪሑ ንስድርኡ ክሕግዝ ዝሓሰበ ተወልደ እንደገና ብስግረዶብ ናብ ካርቱም ተመለሰ። ኣብ ሕክምና ጥዕናኡ ድሕሪ ምክትታሉ ድማ ብቅልጡፍ ስራሕ ጽገና ራክሻ ጀመረ። ኣብ ስራሕ ኮምብላሴኑ ተኸዲኑ ከሎ ድማ ካብ ዕለታት ሓደ መዓልቲ ተገፊፉ ኣብ ቤትማእሰርቲ ሁዳ፣ ኡምድርማን ተኣሰረ። ንኣስታት 2 ወርሒ ኣብኡ ብዘይፍርዲ ድሕሪ ምእሳሩ፡ ኤርትራውያን ዘበሉ ናብ ኤርትራ ይጥረዙ ስለ ዝነበሩ ኣነ ኢትዮጲያዊ እየ ብምባሉ ናብ መተማ ኢትዮጲያ ተጠሪዙ ከደ። ካብ መተማ ድማ እንደገና ናብ ካርቱም ብስግረዶብ ተመልሰ። ብሰንኪ እቲ ናቱ መንነት ምግጫው ግና መንቀሳቀሲወረቐት ኣብ ካርቱም ክሕዝ ተጸገመ። ኣብቲ እዋን ኣብ ካርቱም ብጣዕሚ ጽዑቅ ግፋ ኣብ ልዕሊ ኤትራዊያን ስለ ዝነበረ ድማ ንስድራኡ ሓዲጉ ናብ ሃገረ ሊብያ ኣብ መወዳእታ 2014 ተበገሰ። ኣብ መገዲ ሊብያ ሳሃራ ድማ ካብ መኪና ስለ ዝጸደፈ ርእሱ ተሃረመ፡ እቶም መክይድቱ መይቱ እዩ ኢሎም ሓመድ ኩዒቶም ክቀብርዎ እንተበሉ ሃንደበት ትንፋሱ ድሕሪ ምምላሳ ናብ መኪና ጽዒኖሞ መገዶም ቀጸሉ። ካብተን ብሓንሳብ ዝተበገሳ 2 መካይን ሓንቲ ኣብ መገዲ አንዳ ዕሽ ጥርኑፋት ብምጭዋያ፡ ምስኡ ዝተበገሱ ኣዕሩኽቱን መካይድቱን ብሰንኪ ክርስቲያዊ እምነቶም ብጉጅለ ዳዕሽ ተሰይፎም ሞቱ። ካብዚ ኩሉ ዘምለጠ ተወልደ ግና ድሕሪ መርከብ ተሰቂሉ ናብ ጥልያን ምብጋሱ ድማ እታ ዝነበራ መርከብ ኣብ ማእከል ማእከላይ ባሕሪ ክትጥሕል ጀመረት። ኩሎም ምሕምባስዝኽእሉ ዝነበሩ ሰባት ነነጢሮም ናብ ባሕሪ ክኣትው ከለው ተወልደ ግና ኣብዚ ግዜ አዚ ነፍሱ ተነፊሑ ስለ ዝነበረ ሓንቢሱ ክወጸአ ኣይከኣለን። ንሂወቱ ናብ ኣምላኽ ኣማዕቚቡ ኣብ ታሕተዋይ ስፍራ ናይታ መርከብ ብሰንኪ ሕማሙ ደቂሱ “ኣምላኽ ክወስደኒ እንተ ደልዩ ኣብዚኣ ከለኹ ክወስደኒ እዩ፡ እንተ ፈትዩ ግና ከውጽኣኒ እዩ“ በለ። ኣምላኽ ብተኣምራታዊ መገዲ መርከብ ናይ ረድኤት ከም ትመጽእ ብምግባር ካብታ ዘለዋ ታሕተዋይ ስፍራ ናይታ መርከብ መጺኦም ካብ ሞት ኣድሓንዎ። ብሰላም ዓዲ ጥልያን ድሕሪ ምእታው፡ ካብ ዓዲ ጥልያን ብሰንኪ ኩነታት ጥዕናኡ ናብ ሃገረ ጀርመን ተሰዲዱ። ኣብ ጀርመን መንበሪ ወረቀት ድሕሪ ምሓዙ ክልተ ግዜ ብሰንኪ ሕማም ጸላም ከብዲ መጥባሕቲ ብምግባሩ ድሕሪ ከባቢ 4 ዓመት ጻንሖቱ ኣብ ጀርመን ብ2019 ናብ ሃገር ካናዳ ከተማ ጉወልፍ መጺኡ።
ምስ ዘፍቅሮም ስድራቤቱ ብሰላም ድሕሪ ክንደይ ዓመታት ድሕሪ ምጥርናፉ ቀልጢፉ ስራሕ ጀሚሩ እናሰረሐ ይናበር ኔሩ። ኣብ ጎልፍ ስርሕ ድሕሪ ምጅማሩ፡ መኪና ገዚኡ ዓሪፈ እናበለ ከሎ ሓንደበት ሓደጋ መኪና ኣጋጠሞ ኣየርባግ ስለ ዝተተኮስ ድማ ኣፍልቡ ተሃሪሙ ካብ ስርሕ ደው በለ። ኣብ ካልእ እዋን ኣብ ስርሑ ሓጺን ናብ ኣካሉ ብሙውዳቁ ናይ ኢድ ከቢድ መስበቲ ኣጋጠሞ። ካብ ሓልዮት ሓገዝ ስድራ ዝጀመረ ድማ ስራሕ ኮንስትራክሽን ክጅምር እየ ብምባል ስራሕ ጀመረ። ኣዝዩ ከቢድ ብሙኻኑ ግና ኩነታት ጥዕናኡ እናበኣሰ ክኸይድ ጀሚሩ። ብሰንኪ ጥዕናዊ ጸገም ካብ ስራሕ እኳ እንተ ኣቋረጸ መሸጣ መካይን ብምጅማር ጽቡቅ ክንቀሳቀስ ጀመረ። ካብ ናብ ካናዳ ዝኣተወላ መዓልቲ ጅሚሩ ናብ ሻሎም ኣምልኾን ፈውስን ቤተ ክርስትያን ክኸይድ ብምጅማሩ ንጐይታ የሱስ ከም ናይ ግሊ መድሓኒኡ ብምቅባል ትምህርቲ ድሕነት፡ ትምህርቲ ወደ መዝሙር ትምህርቲ ኣገልግሎትን ተመሃረ። ምስ ጆሽዋ ጄነሬሽን ብምሕዋስ ድማ ማስተር ላይፍ ተማህረ። ብ 2020 ድማ ጥምቀት ማይ ብምውሳድ ኣባል ቤተ ክርስትያን ኮነ። ብድሕሪኡ ኣብ ኣገልግሎት ሜድያ ብምጽንባር በቲ ኣምላኽ ዝሃቦ ጸጋ ንኣምላኽ ብተወፋይነት ኬገልግል ጀመረ። ኣብ መስከረም 2022 ጥዕናኡ እናበኣሰ ስለ ዝኸደ ካብ ስራሕ ኣሪቋሪጹ ናብ ሎንዶን ኦንታርዮ ናብ ዝለዓለ ሕክምናዊ ክትትል ከደ። ናብ ሎንዶን ብምምልላስ ኩነታት ጸላም ከብዱ ትሰርሕ ከም ዘየላን ክትቅየር ከም ዘለዋን፡ ንክትቅየረሉ ድማ ኣብ መስርዕ ከም ዘሎን ድሓር ውን ሪጋኡ በጺሑ ግን ምስ ኣካላቱ ትሰማማዕ ጸላም ከብዲ ብዘይሙኻና ጌና ክጽበ ነበሮ። ብሰንክእዚ ምኽንያታት ድማ ኮላሊቱ ካብ ስርሕ ወጻኢ ክኾና ብምጅማረን ጥዕናኡ ካብ ዝገደደ ናብ ዝኸፍኤ ደረጃ ሰገረ። አዚ ኩሉ ስቅያት አናኾነ ግና ካብ ልሳን ተወልደ ብዘይካ ሰሓቅን፥ ዳአላን፥ እልልታን ንጐይታ ምስጋናን ካብ ኣፋ ዝወጸ ሕማቕ ቃል ኣይነበረን።
ተወልደ ብዕለት 6 ግንቦት 2023 ካብዛ ዓለም ብሞት ብምፍላይ ናብ ሑቕፊ ኣቦኡ ከደ። ተወለደ ጻዕራም፣ ሰሓቒ፣ ተጻዋቲ፣ ቤተሰቡ ዘፍቅር፣ ንቤተሰቡን ኣዲኡን ምሕጋዝ ዝፈቱን፣ ንዓበይቲ ዘኽብርን፡ ንኣምላኽ ዝፈርህን ኣብ ቤተ ክርስትያን ዘገልግለ ብሉጽ ሰብ እዩ ነይሩ።
ኩሉ አቲ ተወልደ ሓውና ዝሓልፎ ዝነበረ ጎደና ህይወት አቲ ኣምላኽ ኣብ ህይወቱ ዝነበሮ ዕላማ ናብ ምድሓን ንኽመጽአ ዝዓለመ አዩ። ተወልደ ኸኣ ነዚ ዕላማ ኣምላኽ ብግቡአ ብምርዳአ ነቲ መንገዲ ምድሓን ዕሽሽ ከይበለ ብግሩህ ልቢ ተቀቢሉ ንኣምላኽ ሂይወቱ ብምሃቡ አንዳኣገልገለ ምስ ኣሕዋት ብፍቅሪ አንዳ ነበረ ብብዙሕ ትግሃት ሓሚመ ተቆንዝይ አንከይበለ ኩሉ ኣብ ውሽጡ አንዳጾረ ንኣምላኽ ዝነብር ሰብ አዩ ነይሩ። ኣብ ክፍሊ ሜድያ ዝዓይዮ ዝነበረ ዕዮ ኩሉ ሰብ ዝምስክሮ ሓቂ አዩ። ከምዚ ናይ ተወልደ ሓዊና አንዳ ኣገልገልና ክንሓልፍ ብጽአና አዩ። በዚ ኣጋጣሚ ንጀሽዋ ጀነሬሽን ወኪለ ንኹሎም ወለዱን ኣሕዋቱን ፈተውቱን መቅርቡን አግዚኣብሄር ጽንዓት ይሃብኩም ይብል።
1ይ ተሰሎንቄ 4
13፤ ግናኸ፡ ኣሕዋተየ፡ ከምቶም ተስፋ ዜብሎም ካልኦት ምእንቲ ኸይትሐዝኑ፡ ብዛዕባ እቶም ደቂሶም ዘለዉ ብዘይ ፍልጠት ክትኰኑ ኣይፈቱን እየ
14፤ ማለት፡ የሱስ ከም ዝሞተን ከም ዝተንስኤን ኣሚንና እንተ ዄንና፡ ከምኡውን ኣምላኽ ነቶም ብየሱስ ዝደቀሱ ምስኡ ኼምጽኦም እዩ
15፤ ንሕና ኽሳዕ ምጽኣት ጐይታ ብህይወትና እንጸንሕ ከኣ ነቶም ዝደቀሱ ከቶ ኸም ዘይንቕድሞም፡ እዚ ብቓል ጐይታ ንብለኩም አሎና።
16፤ ጐይታ ባዕሉ ብናይ ትእዛዝ ጭድርታን ብድምጺ ሊቀ መላእኽትን ብመለኸት ኣምላኽን ካብ ሰማይ ኪወርድ እዩ፡ እቶም ብክርስቶስ ዝሞቱውን ቅድም ኪትንስኡ እዮም።
17፤ ድሕርዚ ንሕና ብህይወት ጸኒሕና ዘሎና ንምቕባል ጐይታ ኣብ ኣየር ምሳታቶም ሐቢርና ብደበና ኽንለዓል ኢና፡ ከምኡውን ንሓዋሩ ምስ ጐይታ ኽንነብር ኢና።
18፤ ደጊም በዘን ቃላት እዚኣተን ንሓድሕድኩም ተጻናንዑ።
Tewolde Berhane was born on March 22, 1997, to Berhane Teklay and Emuna Fissehaye Teklu. He was the 5th of a family of 9 children and one of two boys. He started his primary education at Gula Teraemni School and emigrated in 2009 with his mother and with his 4 siblings. Like many Eritreans, he emigrated to Sudan early and started working to help his mother so his younger siblings could continue their education. He worked hard to change his life and his family’s lives while working various jobs. Tewolde worked in many jobs in Sudan. However, when he went to Gedarf for work, he suddenly threw up blood, and his health deteriorated. Tewelde, who wanted to work and help his family, returned to Khartoum again across the border. After caring for his health, he immediately started working as a Rakshasa repairman. While at work, he was abducted one day and imprisoned in Huda Omdurman. After being detained there without trial for two months, he was deported to Metema, Ethiopia, saying he was Ethiopian because all Eritreans were being deported to Eritrea. From Metema, he returned across the border to Khartoum again. Because of his identity, however, he found it difficult to obtain a temporary resident permit in Khartoum. He left his family for Libya in late 2014 as there was intense persecution of Eritreans in Khartoum. On the way to Libya, on the Sahara Desert, Tewelde fell out of the car and was hit in the head. His companions thought he was dead and tried to dig up the ground to bury him. On the way, one of the two vehicles was hijacked by Islamic militants, and his friends and companions were stabbed to death by ISIS because of their Christianity. Tewolde escaped all this, but after he boarded a ship and left for Italy, his ship began to sink in the middle of the Mediterranean Sea. All who can While the people were torn apart and went into the sea, Tewolde pleaded with God for his life, and as he lay on the bottom of the ship because of his illness, he said, “If God wants to take me, he will take me here. God miraculously caused a rescue ship to come, and they came from the bottom of the ship and saved him from death. After safely entering Italy, he emigrated from Italy to Germany due to his health condition. After a residence permit in Germany, His family came to Canadian Guelph city in 2019 after about four years in Germany after undergoing two surgeries for liver disease. After many years of peaceful reunions with his beloved family, he soon started working and living. His career in Guelph followed, he bought a car and was resting when he suddenly had a car accident, and the airbag deployed, causing him to hit his chest and stop working. Again, after continuing to work, he was hit by an iron and broke his arm. He further tried to work in construction work His health condition began to deteriorate as the work was so difficult. Although he quit his job due to health problems, he started selling cars and doing well. From the day he arrived in Canada, he began attending Shalom Worship and Healing Center and accepted the Lord Jesus as his personal Savior. He learned the lesson of growth by joining Joshua Generation. In 2020, he was baptized and became a member of the church. He then joined the media ministry and began to serve God devotedly by the grace of God.
Serving Guelph and area since 1941, with a tradition of excellence. Providing personalized and compassionate services, including Simple Cremations, Celebrations of Life, Traditional Funerals (including Natural/Green Burials) and more. Wall-Custance Funeral Home & Chapel is locally and independently owned by Scott and Betty Ann Young.
Licensed Funeral Establishment Operator – Class 1 – FE-184
Site design & hosting by: 519Web, PinPoint Local